እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዝተጨውየ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ጨወይቱ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብር ይሓቱ
ምሸት ድሕሪ ሰዓት 8፡00 ኣቢሉ እዩ።
ኣብታ ዛሕሊ ዝበዝሓ ከተማ ዳባት፡ ሃብተገርጊሽ ተኽለን ብዓልቲ ቤቱ ሓሬናን ምስ ደቆም ኣብ መንበሪ ቤቶም ተኣኪቦም ነይሮም።
እቲ ሃንደበታዊ ምዅሕኳሕ ግን ንህድኣቶም ጥራይ ዘይኰነ፡ ንህይወቶም'ውን ኣብ ሓደ ከቢድ መዋጥር ደርብዩዎ።
ገጾም ብጸሊም ሽጐማኖ ዝሸፈኑ ዕጡቓት፡ ማዕጾ እቲ ገዛ ብሓይሊ ደፊኦም ኣተዉ።
ተዅሲ ተኸፍተ። ሓንቲ ካብ ደቆም ካብቲ ዝተተዅሰ ጥይት ብሒደት ሳንቲሜተራት ንስክላ ደሓነት።
ንሓሬና ብበትሪ ኣብ ርእሳ ሃሪሞም ኣብ ባይታ ምስ ኣውደቕዋ፡ ንብዓል ቤታ ሃብተገርጊሽ እናጐተቱ ናብ ጸልማት ገጾም ወሲዶም ሰወሩዎ።
'ክፈሉ እዮም ዝብሉ ዘለዉ'
ብድሕሪ'ቲ ዘስካሕክሕ ምሸት፡ ሓሬና ምስ ብዓል ቤታ ብተለፎን ንሓጺር ደቓይቕ ክትዘራረብ ዕድል ረኺባ ነይራ።
ሃብተገርጊሽ ድምጹ ሕንቕንቕ እናበለ፡ "ኣጆኺ፡ ክፈሉ እዮም ዝብሉ ዘለዉ፡" ጥራይ እዩ ክብል ዝኸኣለ።
እቶም ጨወይቲ ዝጠለብዎ መጠን ገንዘብ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብር (ብሸርፊ ባንክ ልዕሊ 6,000 ዶላር) እዩ። ኣብ ስደት ንዝነብር፡ ስራሕ ንዘይብሉን ንዕለታዊ መግቡ ካብ ረድኤት ንዝጽበን ስደተኛ ግን፡ እዚ ገንዘብ'ዚ ካብ ሰማይ ከዋኽብቲ ከም ምቝጻር እዩ።
"ነዚ ገንዘብ'ዚ ክንከፍለሉ ዘኽእል ዓቕሚ የብልናን፡" እናበለት ሓሬና ብብኽያት ትዛረብ።
እቲ ዝሕተት ዘሎ ልዑል መጠን ገንዘብ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኣዝማድ ናብ ከቢድ ናይ ሓገዝ ምውጻእ ጻዕርን ተወሳኺ ቍጠባዊ ጾርን የእትዎም ኣሎ።
'ካብ ነብሪ ናብ ሓርገጽ'
እዞም ብሰንኪ ዝተፈላለየ ጸገማት ካብ ሃገሮም ወጺኦም ኣብ ኢትዮጵያ ዕቝባ ዝሓተቱ ስድራቤት፡ ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ እዮም ክነብሩ ጸኒሖም።
እንተዀነ፡ ኣብቲ መዓስከር ዝገደደ ቅትለት፡ ጭውያ፡ ጾታዊ ዓመጽን ስርቅን መመሊሱ ስለ ዝበርትዐ፡ ነብሶም ንምድሓን ናብታ ክልተ ኪሎሜተር ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ዳባት ገዛ ተኻርዮም ክነብሩ ጀመሩ።
ይዅን`ምበር፡ እቲ ሃዲሞም ዝወጽእሉ ሓደጋ ኣብ ከተማ ዳባት`ውን እገረ-እግሮም ሰዓበ።
ሓደ ንድሕነቱ ክብል ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ነባሪ ናይቲ ከባቢ ነቲ ኵነታት ከብርህ እንከሎ፡ "ዳርጋ ፍርቂ ናይቲ መዓስከር ብሰንኪ መቕተልትን ጭውያን ኣብ ከተማ ዳባት ተኻርዩ እዩ ዝቕመጥ ዘሎ፡" ይብል።
"ናቱ ነገር ካብ ነብሪ ሃዲምካ ናብ ቀላይ ኣትየ እንተ በልካ፡ ኣብኡ ሓርገጽ ከም ዝጸንሓካ ኰይኑ እዩ ዘሎ፡" ክብል ድማ ነቲ ተስፋ-ኣልቦ ኵነታት ይገልጾ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት`ውን ዕጡቓት ንኻልእ ስደተኛ ንምጭዋይ ፈቲኖም፡ ኣባላት ጸጥታ ብኣጋጣሚ ናብቲ ከባቢ ብምእታዎም ንስክላ ከም ዝደሓነ ይፍለጥ።
ኣብ ቋቝራ ጓህሪ ኲናትን ግፍዒ ሸፋቱን
እዚ ኵሉ ጭንቂ ኣብ ባዶ ቦታ ዝተፈጥረ ኣይኰነን።
መዓስከር ኣለምዋጭን ከተማ ዳባትን ዝርከባሉ ዞባ ሰሜን ጐንደር፡ ካብ 2023 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ብዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝተሃስየ ከባቢ እዩ።
እዚ ኣብቲ ዞባ ዝሰፈነ ምዝራግ ጸጥታ፡ ዘይሕጋውያን ዕጡቓትን ሸፋቱን ንጽጉማት ስደተኛታት ከም ዒላማ ገንዘብ ብምውሳድ፡ ጭውያ ከም ሓደ ዓቢ መኽሰብ ዝርከበሉ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንኸስፋሕፍሕዎ መንገዲ ጸሪግሎም ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ ዓለምለኻውያን ትካላት ረድኤት ብሰንኪ ዘጋጠመን ሕጽረት ባጀት ንቐረብ መግቢ ብምቕናሰን፡ ስደተኛታት ዕለታዊ ቀለቦም ንምድላይ ናብ ከባቢታትን ከተማታትን ክወጽኡ ዝያዳ ተገዲዶም ይርከቡ።
እዚ ድማ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮን ኣብ ትምህርቲ ንዝርከቡ ቈልዑን ኣብ ዝኸፈአ ሓደጋ ኣውዲቕዎም ኣሎ።
እተን ኣዋልድ ኣብ ጐደናታት ግዳይ ክትራንን ጾታዊ ዓመጽን ይዀና ከም ዘለዋን ናብ ዓይኒ-ምድሪ ክኸዳ እንከለዋ`ውን ደድሕሪአን እናተኸታተሉ ከም ዘፈራርሕወንን ይሕበር።
ሓደ ስግኣቱ ዝገለጸ ወላዲ፡ "ስግኣት ናይቲ ህዝቢ ደቁ ተማሂረን ክመጽኣ እምበር፡ ጠኒሳን ክመጽኣ ኣይኰነን ናብ ቤት ትምህርቲ ዝልእኸን፡" ክብል ነቲ ዘሎ መሪር ሓቂ ገሊጹ።
መኽተያ ዝሰኣነ ሕሰም
ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ብዓልመዚ ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያን፡ ድሕነት ስደተኛታት ንምሕላው ጻዕርታት ይግበር ከም ዘሎ ደጋጊሞም ይገልጹ እዮም።
እንተዀነ፡ እቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ግጭትን ምቍራጽ መጓዓዝያታትን፡ ኣብቲ ከባቢ ሰብኣዊ ረድኤትን ምሉእ ናይ ዕቝባ ስጕምቲ ንምውሳድን ዓበይቲ ዕንቅፋታት ፈጢሩ ከም ዘሎ ይሕብሩ።
'ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ' (HRCE) ዝተባህለ ማሕበር እውን፡ መዓስከር ኣለምዋጭ ዒላማ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምዃኑ እቶም ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ተማሕጺኑ ነይሩ።
መዓስከር ኣለምዋጭ፡ ብሰንኪ'ቲ ካብ 2020 ክሳብ 2022 ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ካብ ማይ ጸብሪ ዳግማይ ንዝተፈናቐሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምዕቋብ ኣብ 2022 ዝተመስረተ እዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ለካቲት ክሳብ ሓምለ ናይቲ ዓመት ጥራይ ኣስታት 15,000 ስደተኛታት ናብቲ መዓስከር ዝኣተዉ ኰይኖም፡ 70 ሚእታዊት ካብኣቶም ቈልዑን ደቂ ኣንስትዮን እዮም።
ሓሬና ሕጂ ኣብታ ብሸፋቱ ዝተዃሕኵሐት ጸባብ ክፍሊ ኰይና ምስ ደቃ ተሸቝሪራ ትነብር ኣላ።
እቲ ተለፎን ዳግማይ መዓስ ከም ዝድወል ኰነ ንብዓል ቤታ ብህይወት ክትረኽቦ ትኽእል ድያ ኣብ ሰንፈላልን ዘይተመለሰ ሕቶን ደርብዩዋ ይርከብ።