ግብጽን ሱዳንን ንበይናዊ ስጕምቲ ኢትዮጵያ ነጺገን፡ ኣዲስ ኣበባ መልሲ ሂባ

ወግዓዊ መግለጺ ግብጽን ሱዳንን
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ግብጽን ሱዳንን፡ ጸጥታ ማይ ክልተአን ሃገራት ፈጺሙ ዘይነጻጸል ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ናይል እትወስዶ ዘላ "በይናዊ ስጕምቲ" ብትሪ ከም ዝነጽጋኦ ኣፍሊጠን።

ምኒስተራት ጉዳያት ወጻእን ማይን ክልተአን ሃገራት ኣብ ካይሮ ኣብ ዘካየድዎ ሳልሳይ ዙር ሓባራዊ ዘተ፡ ኣብ ጉዳይ ማይ ናይል፡ ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ውሽጣዊ ኵነታት ሱዳንን ዘለወን ሓባራዊ መርገጺ ኣነጺረን።

እቲ ኣብቲ ብ1959 ዝተኸተመ ስምምዕ ማይ ናይል ዝተመርኰሰ ዘተ፡ ብፍላይ ኣብ ህንጸትን ምሕደራን ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘተኰረ ነይሩ።

ክልተኦም ወገናት ብ2 ሕዳር 2026 ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ብዘይ ሕጋዊ ስምምዕ ብበይና እተካይዶ ምሕደራ ግድብ፡ ንታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ጠንቂ ከቢድ ሻቕሎት ምዃኑ ገሊጾም። ኣዲስ ኣበባ ነዚ በይናዊ ኣካይዳኣ ገዲፋ ናብ ዘተን ምትሕብባርን ክትምለስ ጸዊዖም።

ነዚ ናይ ግብጽን ሱዳንን መግለጺ ብዝምልከት፡ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ 'ኤክስ' ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ግብጺ ኣብ ሓደ ዝኣረገ ኣካይዳ ተሸኺላ፡ ገና ነቲ ሓደ ዓይነት ደርፊ እያ ትደጋግሞ ዘላ፡" ብምባል ነቲ ክሲ ኣቃሊልዎ።

ኢትዮጵያ ነቲ ግብጽን ሱዳንን ዝምርኰሳሉ ውዕል 1959፡ "መግዛእታዊ ስምምዕ" ብምባል ከም ዘይትቕበሎ ከተፍልጥ ጸኒሓ እያ።

ብኣንጻሩ፡ እቲ ግድብ ንቝጠባዊ ዕብየታን ቀረብ መብራህትን ወሳኒ ምዃኑን ኣብ ታሕተዋይ ወገን ናይቲ ተፋሰስ ንዝርከባ ሃገራት ከም ዘይጐድእን ብተደጋጋሚ ተረድእ።

ብተወሳኺ፡ እዚ ሓባራዊ መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ፡ እቲ ንግብጽን ሱዳንን ዘየጠቓለለ 'ስምምዕ ማዕቀፍ ምትሕብባር ተፋሰስ ናይል' (CFA) ኣብ ቀረባ እዋን ብወግዒ ኣብ ግብሪ ድሕሪ ምውዓሉ ምዃኑ፡ ነቲ ኣብዚ ዞባ ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ዝያዳ የጕልሖ። ዛጊት ኣብዚ ጉዳይ ንዅሉ ዘሰማማዕ ፍታሕ ከኣ ኣይተረኸበን ኣሎ።

ብዛዕባ ውሽጣዊ ኵነታት ሱዳን ኣብ ዝተላዕለ ነጥቢ፡ ግብጺ ንሓድነት፡ ልዑላውነትን ሃገራዊ ሰራዊትን ሱዳን ዘለዋ ደገፍ ኣረጋጊጻ።

እቲ መግለጺ፡ "ዕጡቓት ጕጅለታት" ንመሰረተ-ልምዓት ሱዳን፡ ብፍላይ ንመሳለጥያታት ጸዓትን ማይን ብዕላማ የዕንዉ ኣለዉ ክብል ብትሪ ኰኒኑ።

እዚ ክሲ ብቐጥታ ነቲ ካብ ምያዝያ 2023 ጀሚሩ ምስ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ኲናት ዝርከብ ዳዕመ-ሰሪዕ ዘነጻጸረ ኰይኑ፡ እዚ ኲናት ክሳብ ሕጂ ንኣሽሓት ህይወቶም ከሕልፍን ንሚልዮናት ድማ ካብ መነባብሮኦም ተመዛቢሎም ኣብ ስደትን መከራን ከም ዝወድቁን ገይሩ ኣሎ።

ኣመሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን ተዅሲ ደው ንምባል ዘካየድዎ ጻዕርታት እውን ዛጊት ፍረ ኣይሃበን።

ምኒስተራት ጉዳያት ወጻእን ማይን ግብጽን ሱዳንን ኣብ ገዚፍ ጠረጴዛ ከቢቦም እናዘተዩ

ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ክልተአን ሃገራት፡ "ገማግም ባሕሪ ንዘይብለን ሃገራት ናይ ባሕሪ ተበጻሕነት ንምሃብ ዝግበር ፈተነ፡ ንልዑላውነት ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ፡" ብምባል ነጺገንኦ።

እዚ መግለጺ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ መረዳእታ ስምምዕ ወደብን ወተሃደራዊ መዓስከርን ዘመላኽት ስትራተጅያዊ ተቓውሞ፣ ከምኡ'ውን ኢትዮጵያ ካብ ምያዝያ 2023 ኣትሒዛ 'ኣፍደገ ባሕሪ' ንምርካብ ብእትጕስጕሶ ዘላ ምስ ኤርትራ ኣብ ውጥሪ ኣእትዩወን ዝርከብ ዝጠመተ እዩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ዘተ፡ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ጽላት ጸጋታት ማይ ሱዳን ፕሮጀክታት ልምዓት ንምትግባር ዘኽእል ሰነድ መረዳእታ ተፈራሪመን።

እዚ ስምምዕ፡ ነቲ ብሰንኪ ኲናት ዝዓነወ መሰረተ-ልምዓት ማይ ዳግማይ ምህናጽን ካልእ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ መሳለጥያታት ምትካልን የጠቓልል።

ብሓፈሻ እዚ ርክብ፡ ኵሉ እቲ ኣብ መንጎ ግብጽን ሱዳንን ዘሎ ፖለቲካውን ቍጠባውን ስምምዓት፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘለወን ሓባራዊ ዲፕሎማስያዊ ጕዕዞ ዘደልድልን ተመኵሮ ንምልውዋጥ ዕድል ዝፈጥርን ኣገዳሲ መድረኽ ከም ዝነበረ ተገሊጹ።