"ክልል ትግራይ ዓዲ ሸፋቱ ኣይኮነትን" ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ድብረጽዮን ገ/ሚካኤል፡ "ኮሮናቫይረስን ንህዝቢ ትግራይ ክስኩኑ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ትምክሕትን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ክምብርከኹ እዮም"ኢሉ።
ዶክተር ደብረጽዮን: ትማሊ ኣማስይኡ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከዘራርብ ዝቐነየ፡ 'ትግራይ ሕልፊ ትጥቀም ነይራ' ዝብል ካብ ህዝባዊ ርክባት ፓርቲ ብልድግና ዝተውሃበ ርእይቶ 'ዓሌታዊ' ብምባል'ውን ነጺጉዎ።
ሓላፊ ርክብ ህዝብን ጉዳያት ወፃእን: ፓርቲ ብልጽግና ኣይተ ኣወል ኣብዲ: ቁፅሪ ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኣርስን ሲዳማን ብምንፅፃር 'ትግራይ ሓለፋ ዩኒቭርስታትን ህንፀት መንገድታትን' ከምዘለዋ ተዛሪቡ ነይሩ።
ዶክተር ደብረጽዮን፡ "እቲ ኣተሓሳስብኦም ኣሃዳዊ እዩ፡ ካሊእ ደርጊ እዩ መጺኡና ዘሎ" ኢሉ።
እቲ ብሚድያ ኢሳት ዝበሃል ዝነበረ 'ዓሌታዊ' ጎስጓስ ደጊሞም ይዛረቡ ከምዘለውን እቲ ሓቀኛ ኣተሓሳስብኦም እዚ ከምዝኾነን ዶክተር ደብረጽዮን ተዛሪቡ።
ንብልጽግና ፓርቲ፡ "እዚ ኩሉ መስዋእቲ ዝተኸፈሎ ዕላማ ዝበልዕ ከዳዕ" ኢሉ ዝገለጾ ዶክተር ደብረጽዮን፡ እቲ ዝተፈላለይሉ ቅዋሙ ቀስ እናበለ ኣብዚ እዋን ኮሮና ከይተረፈ ብኸምዚ ይወጽእ ከምዘሎ፡ ወሲኹ ተዛሪቡ።
ስለዝኾነ ድማ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ንኮሮናን ንጸረ ህዝቢ ትግራይ ዝበሎም 'ሓይልታት ትምክሕቲ': ብትረት ከምዝቃለሶምን ከምዝስዕሮምን ተዛሪቡ።
ብኮሮና ኣቢልካ ፖለቲካዊ ምትእትታዋት ክህሉ ከምዝኽእል እቲ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ሓቢሩ።
ከምኡ'ውን "ትግራይ ዓዲ ሽፈቱ ኣይኮነትን: ተልዒልካ 'ኣነ ኣመሓዳሪ ትግራይ እየ' ክትብል ኣይትኽእልን" እንክብል: ብገለ ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ብልጽግና ንዝተገለጸ ዘረባ ነጺግዎ። ብሕጊ ውን ዘሕትት 'ድራማ' ምዃኑ ተዛሪቡ።
ሓላፊ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ነብዩ ስሑል ሚኪኤል: ንሚድያ ኣውራ'ምባ "ብመዓርግ ርእሰ ምምሕዳር: ኣመሓዳሪ ትግራይ ኣነ መዃነይ እየ ዝፈልጥ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
መንግስቲ እቲ ክልል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ቅድም ክብል ድንጋገ ህጹጽ እዋን ዝኣወጀ ኾይኑ: ካብ ትማሊ ጀሚሩ ካብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ናብቲ ክልል ዝኣቱ ሰብ ክውሽብ ጀሚሩ ኣሎ።
ዶክተር ደብረፅዮን፡ ኣብ ኣፈጻጽማ እቲ ኣዋጅ ግን ገለ ጉድለታት ከምዝረአዩ ገሊጹ።
እቲ ሕማም ብባህላዊ መድሓኒት ዘይድሕን ከምዝኾነን: እቲ ቀንዲ ፖሊሲ እቲ ክልል ምክልኻል ምዃኑን ድማ ተዛሪቡ።
"ንሕና ብምክልኻል ምበር ቆጽለ መጽሊ ብምጭፍጣጥ ኣይንኣምንን" ኢሉ ዶክተር ደብረጽዮን።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
