ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ካብ ኮሮናቫይረስ ምሉእ ብምሉእ ሓውዩ

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሶን
መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሶን
Published

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ ትማሊ ካብ ሕክምና ቅድሚ ምውጻኡ ኣብ ዝገበሮ መርመራ፡ እቲ ውጽኢት፡ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኑ ከም ዝተረጋገጸ ኣፈኛ መንግስቲ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒሰተር ጆንሰን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ቸከርስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ካብ ለንደን ወጽእ ኢሉ ዝርከብ ካልኣይ መንበሪ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ምክትታል እናተገበረሉ የዕሪፉ ከምዘሎ'ውን እቲ ኣፈኛ ጠቒሱ።

ንሱ፡ ምልክታት ናይቲ ቫይረስ ድሕሪ ምርኣዩ ን10 መዓልታት ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ መንበሪኡ ተወሺቡ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኩነታቱ እናንቆለቆለ ስለዝኸደ ንሆስፒታል ተወሲዱ፡ ንሓደ ሰሙን ጽኑዕ ክንከን ክግበረሉ'ዩ ጸኒሑ።

እታ ነፍሰ-ጾር ዝኾነት መጻምድቱ፡ ካሪ ሲሞንድ'ውን ምልክታት ብምርኣያ፡ ተወሺባ ትርከብ።

ቁጽሪ ኣብታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት 11, 329 በጺሑ።

እዚ ቁጽሪ'ዚ ነቶም ብኮሮናቫይረስ ከምዝተታሕዙ ተረጋጊጹን፤ ኣብ ሆስፒታል ዝሞቱን ጥራይ ከምዝውክልን ተፈሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ጥራይ 717 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝሞቱ መንግስቲ እታ ሃገር ሓቢሩ።

ኮሮና