ዓረና፡ ክልተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ካብቲ ውድብ ንባዕሎም ኣግሊሎም

ኣቶ ኪዳነ ኣመነ [ኣባል ፈጻሚት ስራሕ] ከምኡ'ውን ኣቶ ክብሮም በርሀ [ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ]
Published

ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰልፊ ዓረና ንሉኣላውነትን ዲሞክራስን ዝኾኑ፡ ኣቶ ኪዳነ ኣመነን ኣቶ ክብሮም በርሀን፡ ካብ ኣባልነት'ቲ ውድብ ዓርስና ኣግሊልና ኢሎም።

"ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ'ዩ ካብቲ ውድብ ክንወጽእ ዝገብረና ዘሎ" ኢሉ ኣባል ፈጻሚት ስራሕ እቲ ሰልፊ ኣቶ ኪዳነ ኣመነ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።

"ናይ ኣካይዳ፣ ስነ ምግባር፣ ንህዝቢ ቀዳምነት ሂብካ ኣብ ምስራሕ ጸገማት ነይሮም'ዮም" ዝበለ ኣቶ ኪዳነ፡ ብዙሕ ግዘ ክዕረ ኣብ ውሽጢ ክንሰርሕ'ኳ እንተጸናሕና ኣብ ሓጺር ግዘ ግን ለውጢ ክመጽእ ኣይክኣለን ኢሉ።

ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ሰልፊ ዓረና ኣቶ ክብሮም በርሀ ብወገኑ፡ ኣብ ዓረና ዝነበረና ጻንሒት ወዲእና ናብ ሓድሽ ውድብ ምምስራት ንኣቱ ኣለና ይብል።

"እቲ ዝነበረ ናይ ኣመራርሓ ጸገም ክነዐሪ ጻዕሪ ጌርና ነይርና። ኮይኑ ግን ነዚ እዋን ዝምጥን ለውጢ ምግባር ስለ ዘይተኽኣለን፡ እቲ ኣካይዳ ድማ ህዝብን ፓርትን ዝደልዮ ኮይኑ ስለ ዘይተረኸበ፡ ናይ ባዕልና መገዲ ንምሓዝ ወሲንና ኣለና" ኢሉ፡ ዓርሱ ካብቲ ሰልፊ ዘግለለሉ ምኽንያት እንተብርህ።

"እቲ ዘለናዮ ኩነታት ድማ ምትዕጽጻፍን ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣሰራርሓን ስለ ዝደሊ ክንወጽእ ተገዲድና" ዝብል ኣቶ ኪዳነ ኣመነ፡ ቑጽሮም ብርክት ዝበሉ ኣባላትን ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ትግራይ ዘለው ወከልቲ እቲ ሰልፍን ምውጽኦም'ውን ተዛሪቡ።

ኣብቲ ሰልፊ ንዘለው ዓብዪ ናይ ሞራል ስንቂ ዘለዎም ዓበይቲ ኣቦታት፣ ኣደታትን፡ ኣሕዋትን ነመስግን ድማ ኢሉ ኣቶ ክብሮም።

እቶም ኣመራርሓ ምስ ካልኦት ኣባላት ዓረና ነበርን መናእሰይን ኮይኖም ሓዱሽ ፖለቲካዊ ውድብ ከም ዝመስረቱ እውን ኣፍሊጦም።

ስምን ዕላማን እቲ ውድብ ፅባሕ ዕላዊ ከም ዝገብርዎ ድማ ንቢቢሲ ገሊፆም። ኣባል ውድብ ዓረና ዝነበረ ኣቶ ክንፈገብርኤል ገብረዮውሃንስ ድማ፡ ሓደ ካብቶም ነቲ ሓድሽ ውድብ ዝምስርቱ ዘለው'ዩ።

ሰልፊ ዓረና ብዛዕባ ውሳነ ኣባላቱ ዝፈልጦ ነገር ይህሉ'ዶ ዝብል ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ውድብ ዓረና ንዲሞክራስን ሉኣላውነትን፡ ንውሕ ንዝበሉ ዓመታት ኣብ ትግራይ ብሕታዊ መማረጺ ሰልፊ ተቓውሞ ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ።