ንነታንያሁ ብቕልጡፍ ካብ ስልጣን ኣልዩ ሓድሽ መንግስቲ ከም ዝምስርት መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ገሊጹ
ንዝቕጽል መንግስቲ እስራኤል ንምምስራት ሓላፍነት ዝተዋህቦ ጋዲ ኣይዘንኮት፡ ልፍንታዊ መንግስቲ ንምቛም ዝካየዱ ዘተታት ክናውሑ ከምዘይፈቅድ ገሊጹ።
እዚ መደረ ናይቲ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት እስራኤል ነበር ብዛዕባ ቀጻሊ ኣንፈት ምክፍፋል ንዘጋጠሞ ናይ ባዕሉ ፖለቲካዊ ልፍንቲ ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ኮይኑ ተወሲዱ ኣሎ።
ጋዲ ዝመርሖ ጥምረት ኣብ ክልተ ኣማራጺታት ተቐርቂሩ ይርከብ። እቲ ሓደ ኣማራጺ፡ ምስ ሰልፊታት ኣይሁድ ወይ ድማ ብኣብዝሓ ዓረብ ምስ ዝኾኑ ሰልፍታት ጥምረት ምፍጣር እዩ።
ጋዲ ኣይዘንኮት ምስ ሰልፊታት ዓረብ ጥምረት ከምዘይፈጥር ቅድሚ ሕጂ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። በዚ ድማ ኣብዝሓ መናብር ንምሓዝ ዘኽእሎ ጥምረት ዘይምስርት እንተዀይኑ፡ እቲ ካልኣይ ኣማራጺ ኣብ ስልጣን ንዘሎ ቀዳማይ ምኒስተር ነታንያሁ ብግዝያዊ ኣመሓዳርነት ዘጽንሕ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት ምምስራት እዩ።
ጋዲ ኣይዘንኮት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሕሳቡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ “እዚ ጉዳይ እዚ ክናዋሕ ናይ ምፍቃድ ድሌት የብለይን። እቲ ትኽክለኛ ግዜ ምስ ኣኸለ ሓድሽ መንግስቲ፤ ኣነ ዝመርሖ ጽቡቕ መንግስቲ ፍቓድ ንኽረክብ ናብ ባይቶ (ክኔሴት) ከቕርቦ እየ” ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ እስራኤል ክልቲኦም ወገናት ኣብዝሓ መናብር ብምሓዝ ብንጹር ክዕወቱ ኣይከኣሉን። ነዚ ስዒቡ ኣይዘንኮት መንግስቲ ንምምስራት ንኽፍትን ብፕረዚደንት እታ ሃገር ተመሪጹ።
ኣይዘንኮት፡ ንነታንያሁ ዝትክእ መንግስቲ ንምምስራት ናይ ክልተ ሰሙን ግዜ ተሪፍዎ ኣሎ። እቲ መራሒ ተቓወምቲ ብግዴታ ልፍንቲ ንምምስራት ዝግበር ፈተነ ከምዘየለ ዝገለጸ ኮይኑ ብቕልጡፍ ስጉምቲ ምውሳድ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
“ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ዞባ ኢና ዘለና። እቲ ተሰናባቲ ቀዳማይ ምኒስተር ቅድሚ ሕጂ ርኢናዮ ብዘይንፈልጥ መንገዲ ይንቀሳቐስ ኣሎ” ኢሉ። ወሲኹ ድማ “ቀዳምነት ዝወሃቦም ወተሃደራዊ ጉዳያት ምስ ፖለቲካዊ ረብሓ ተኣሳሲሮም ኣለዉ፤ ሰሌዳ ግዜ ወተሃደራዊ ወፍርታት እውን ምስ ፖለቲካዊ ዓውደ-ኣዋርሕ ተሓዋዊሱ ኣሎ” ክብል ነቒፉ።
ቀዳማይ ምኒስተር ነታንያሁ ምስ ኣመሪካ ብምትሕብባር ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ ወፍሪ መጥቃዕቲ ንምኽፋት ልዑል ድሌት ከምዘለዎ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነ ሲቢኤስ ኒውስ ጸብጺቡ።
ሰራዊት እስራኤል ምስ ኢራን ንዝካየድ ሓድሽ ዙር ውግእ ከምዝተዳለወን፡ ብኢራን ንዝፍጸም ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ተጠንቀቕ ከምዝርከብን ምንጭታት ገሊጾም።