
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብሰንኪ ካብ ሓደሩ ወጻኢ ዝጸንሖ ጾታዊ ዝምድናታት ካብ መዝነቱ ክወርድ ዝተገደደ ቢልየነር ዋና ኣካያዲ ኩባንያ ኒቪድያ ናብ ንቡር መዝነቱ ከምዝተመልሲ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝወሰነ ቦርድ ናይቲ ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት ተክኖሎጂ ዓለም ዝኾነ ኒቪድያ፡ ሎሚ ንውሳነኡ ብምቕልባስ ጀንሰን ሃውንግ ክምለስ ብምሉእ ድምጺ ተሰማሚዑ።
እቲ ዜና ድሕሪ ምስምዑ ብኡንብኡ ኣንቆልቊሉ ዝነበረ ብርክታት እቲ ትካል ኣብ ዕዳጋታት ዓለም ወሲኹ ኣሎ።
በቲ ውሳነ ከምዝተሓጐሰ ዝገለጸ ሃውንግ፡ "ኣብዚ ሓድሽ ኢንዱስትራያዊ ሰውራ ናብ ኒቪድያ ብምላስ ነቲ ኣብ ዓለም ጸላዊ ዝኾነ ኩባንያ ተክኖሎጂ ኒቪድያ ክመርሕ ክብሪ የዕስምዓኒ" ኢሉ።
"ነዚ ሓላፍነት እዚ ብትሕትናን ዝተሓደሰ ተዋፋይንት እቕበሎ"።
በቲ ውሳነ ከምዝተሓጐሰ ዝገለጸ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ንትካል ኒቪድያ ጥራይ ዘይኮነ ንቊጠባ ኣመሪካ'ውን ዘደንፍዕ ስጉምቲ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ናብ ዝነበሮ ቦታ ምምላሱ ንጸጥታ ኣመሪካ ዘሰግእ ከምዘይኮነ'ውን እቲ ምስ ሃውንግ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ ትራምፕ መጒቱ'ሎ። ተቓወምቲ እቲ ፕረዚደንት ግን ኣብ ክንዲ ጸጥታ ሃገሩ ንዕርክነቱ ኣቐዲሙ ክብሉ ይነቕፍዎ ኣለዉ።
ምስ ቦርድ ናይቲ ትካል "ቀጥታዊን ዘይቀጥታዊን" ዝርርብ ከምዘካየደ ዝገለጽ ትራምፕ፡ ብናቱ ምትእትታው ናብ መዝነቱ ከምዝተመልሰ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ'ሎ።
ጀንሰን ሃውንግ፡ ምስ ሓንቲ ኣብ ትካሉ ትሰርሕ ሓላፊት ጾታዊ ዝምድና ነይሩዎ ዝብል ሓበሬታ ድሕሪ ምውጽኡ'ዩ ካብ መዝነቱ ክወርድ ተገዲዱ ነይሩ።
ኣቐዲሙውን ምስ ካልእ ንስለያ ቻይና ምስጢራት ተክኖሎጂ ኣሕሊፋ ተባሂላ ትኽሰስ ዘላ ናይ ካልእ ትካል ሓላፊት ጾታዊ ዝምድና ከምዝነበሮ ተኣሚኑ'ዩ።
ትካል ኒቪድያን ፈደራላዊ ቢሮ መርመራ ኣመሪካ (ኤፍ-ቢ-ኣይ) ነቲ ጉዳይ ይምርምርዎ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም ነይሮም።
ቦርድ ናይቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሓስ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ'ዩ ካብ ፕረዚደንትን ዋና ኣካያዲነትን ናይቲ ኩባንያ ክወርድ ወሲኑ።
ምክትሉ ኮይና ክትሰርሕ ዝጸንሐት ኮለት ክረስ ግዝያዊት ዋና ኣካያዲት ኮይና ተመዚዛ ምንባራ'ውን ይዝከር።
ድሕሪ'ቲ ውሳነ ዕዳጋ ብርክታት ናይቲ 4.5 ትሪልዮን ዶላርት ዝግመት ትካል ብ10 ሚእታዊት ወሪዱ ነይሩ።
ነቲ ናይ ስለያ ክስታት ዝነጸገት ቻይና፡ ኣመሪካ ነቲ ጉዳይ ምስምስ ብምግባር ተክኖሎጂታት ናብ ቻይና ከይሽየጥ ዝገትእ ውሳነ ከይትወስድ ኣጠንቂቓ ኣላ።