ወጥሪ ከተማ ሎስኣንጀለስ ይዓርግ፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ ይቕጽል

ምንጪ ስእሊ, Robert Gauthier/Los Angeles Times
ኣብቲ ንመበል 5ይ መዓልቱ ዝቐጸለ ህዝባዊ ተቓውሞታት ኣመሪካዊት ከተማ ሎስንጀለስ፡ ፖሊስ ብጃምላ ሰባት ኣብ ቀይዲ የእትዉ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።
ከንቲባ እታ ከተማ ካረን ባስ፡ ኣብ ገለ ማእከል ክፋል እታ ከተማ ሰዓት እቶ-እቶ ኣዊጃ'ላ።
እቲ ናዕቢ በቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዘካይዶ ዘሎ ምህዳን ዘይሕጋውያን ዝብሎም ስደተኛታት'ዩ ተበጊሱ።
ትራምፕ ነቲ ዕግርግር ንምህዳእ፡ ብሰሉስ ኣስታት 4000 ኣባላት ሓለዋ ሃገር (ናሽናል ጋርድ)፡ ከኡም'ውን 700 ምድረ-ባሕራውያን (ማሪን) ናብታ ከተማ ክዋፈሩ ምእዛዙ'ውን ተወሳኺ ተቓውሞታት ኣስዒቡ'ሎ።
ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ንውሳነ እቲ ፕረዚደንት "ኣብ ልዕሊ ደሞክራሲ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ " ክብል ኮኒንዎ'ሎ። ትራምፕ ግን እቲ ስጉምቲ "ነታ ከተማ ሓራ ንምውጻእ" ዝተወስደ ምዃኑ'ዩ ዝምጉት ዘሎ።
እቶም ሰባት ናይ ምእሳር ሓላፍነት ዘይብሎም ኣባላት ሰራዊት ንሰብመዚ ኢሚግረሽንን ፖሊስን ንምስናይን ንምድጋፍን'ዮም ተዋፊሮም ዘለዉ።
እቲ ኣብ ዝቕጽል ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሕጹይ ሰልፊ ደሞክራሲ ኮይኑ ክቐርብ ዓይኒ ወዲቑሉ ዘሎ ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒውሳም፡ ትራምፕ ተወሰኽቲ ወተሃደራት ምውፋሩ ነቲ ኩነታት የጋድዶ ከምዘሎ'ዩ ዝኸስስ።
"ካሊፎርንያ ፈላሚት ክትከውን ትኽእል'ያ፡ ኣብዚ ጥራይ ዘብቅዕ ከምዘይኮነ ግን ንጹር ኮይኑ'ሎ" ዝበለ ኒውሳም፡ "እቲ ዒላማ ደሞክራሲ እዩ ክኸውን። ደሞክራሲ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ክጥቃዕ ንርኢ ኣለና" ክብል ነቒፉ።
ናይ ጎማ ጠያይቲ ብምትኳስ ነቲ ተቓውሞታት ንምቁጽጻር ዝፍትን ዘሎ ፖሊስ እታ ከተማ ከምዝበሎ፡ ኣብቲ ሰዓት እቶ-እቶ ዝተኣወጀሉ ቦታታት ዝተኣኻኸቡ ሰባት ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Kyle Grillot/Bloomberg
ዛጊት ክንደይ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ'ኳ ብንጹር እንተዘይተፈልጠ፡ ትማሊ ሰሉስ ጥራይ ኣስታት 200 ከምዝተኣስሩ ከንቲባ ሎስኣንጀለስ ጠቒሳ ነይራ።
ኣቐዲሞም ዝተኣስሩ ብዓሰርታታት ዝቑጸሩ ሰባት ምንባሮም'ውን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ትራምፕ፡ ንሰላም ከተማኣ ከምዝዘረገ ትነቅፍ ከንቲባ ባስ፡ "ህድኣት ከተማና ናብ ንቡር ክምለስ እንተኾይኑ፡ ምምሕዳር [ትራምፕ] ነቲ ዝግበር ዘሎ ሃድን ኢሚግረሽን ደው ከብሎ" ጸዊዓ።
ኣባል ኮንግረስ ዝነበረት ከንቲባ ካረን ባስ ከም ሓንቲ ካብ ኣባላት ኮሚቲ ጉዳያት ወጻኢ ብምዃን ምስ መሳርሕታ ዝኾኑ ኣባላት ባይቶ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ጆ ንጉሰን ሶማላዊት-ኣመሪካዊት ኢልሃም ዑመርን ኣብ 2019 ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን በጺሓ ምንባራ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, U.S. Embassy Asmara
ነቶም ተቓውሞታቶም ዘስምዑ ዘለዉ ዜጋታት "እንስሳታት" ክብል ዝገለጸ ትራምፕ ብወገኑ፡ "እቲ ሕንፍሽፍሽ ክግታእ ኣለዎ" ኢሉ። ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ፎርት ብራግ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ወተሃደራት ንኣመሓዳሪ ካሊፎርንያን ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደንን ዘለዎም ተቓውሞ ከስምዑ'ውን ከተባብዕ ተሰሚዑ ነይሩ።
እቲ ተቓውሞታት ናብ ካልኦት ክፍለሃገራትን ከተማታትን ኣመሪካ'ውን ክልሕም ጀሚሩ'ሎ።
ኣብ ከተማ ኣትላንታ (ጆርጅያ) ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተቓውሞታት ንምግላጽ ናብ ጎደናተት ከምዝወጹን ምስ ፖሊስ ከምዝተጋጨዉን ጸብጻባት ሒቢሮም ኣለዉ።
ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ተቓውሞታት'ውን ብዙሓት ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዯም ኣለዉ።
ኣብ ቴክሳስ'ውን፡ ነቲ ኣብ ከተማ ሳን ኣንቶንዮ ክግበር ዝሕሰብ ዘሎ ተቓውሞታት ንምቁጽጻር ኣመሓዳሪ እታ ክፍለሃገር ሰራዊት ሓለዋ ሃገር ናብታ ከተማ ክዋፈሩ ኣዚዙ ኣሎ።





















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
