ኣፍቃሪኣ ብዝፈጸሞ ገበን ብማሕነቕቲ ዝተቐጽዐት ሰበይቲ

Published

ብሞት ክቕጽዑ ዝተፈርዱ ኢዲስ ቶምፕሰንን ኣፍቃሪኣ ፍሬደሪክ ባይዋተርስን ብ9 ጥሪ 1923 እዮም ብማሕነቕቲ ተቐቲሎም።

እታ ጓል 29 ዓመት ኢዲስን ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ፍሬዲን ብቕትለት በዓል ቤታ ገበነኛታት ኰይኖም ተረኺቦም።

በዓል ቤታ ፔርሲ ቶምፕሰን ብ3 ጥቅምቲ 1922 ኣብ ጽምው ዝበለ ጐደና ብኻራ ተቐቲሉ።

ቀታሊኡ ድማ ፍሬደሪክ ባይዋተርስ ነይሩ።

ይዅን እምበር፡ ኢዲስ ብዛዕባ እቲ ቅትለት ትፈልጥ ከም ዝነበረት ዘመልክት ዝዀነ መርትዖ ኣይነበረን።

ስለምንታይ ደኣ ብማሕነቕቲ ክትቅተል ተፈሪዳ? ገበና’ኸ እንታይ እዩ ነይሩ?

ቅድሚ እቲ መቕጻዕቲ፡ ኢዲስ ቶምፕሰን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሆሎወይ ተኣሲራ ጸኒሓ።

ኣብታ ዕለት፡ እቲ ነቲ መቕጻዕቲ ሞት ዝፍጽም ሰብኣይን ተሓጋገዝቱን ናብቲ ዝተኣሰረትሉ ክፍሊ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ኢዲስ ብኣመሓዳሪ እቲ ቤት ማእሰርቲ ብዝተወግአቶ ሓያሎ መደንዘዚ መድሃኒት ዛሕቲላን ዳርጋ ሕልናኣ ስሒታን ነይራ።

ሓደ ካብቶም ሰባት ብሕቘኣ ደጊፉ እናልዓላ፡ "በሊ ንዒ እቲ ጉዳይ ብቕልጡፍ ክፍጸም'ዩ" በላ።

ኣርባዕተ ሓለውቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ንኢዲስ ተሰኪሞም ናብቲ ማሕነቕቲ ዝፍጸመሉ ቦታ ወሰዱዋ። ድሕሪ ካልኢታት ከኣ ኢዲስ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ።

ኣስታት 800 ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ፔንቶንቪል፡ ወዲ 20 ዓመት ኣፍቃሪኣ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ተመሳሳሊ ዕጫ ኣጋጢምዎ።

እቲ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ፡ ንበዓል ቤት ኢዲስ ብተደጋጋሚ ብኻራ ወጊኡ ዝቐተለ ፍሬዲ፡ ካብ ዝእሰር ኣትሒዙ ንኢዲስ ካብ ማእሰርትን ቅትለትን ከድሕን ጻዕሪ ይገብር ነይሩ።

ንሱ፡ እታ ኣፍቃሪቱ ብዛዕባ እቲ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ትፈልጥ ከም ዘይነበረት ካብ ምግላጽ ዓዲ ኣይወዓለን።

እቲ ናይ ኢዲስ ገበን ግን ነጻን ዘይእምንትን ምዃና እዩ።

ሓደ ክኢላ ናይቲ ጕዳይ ከም ዝብሎ፡ ንሳ ግዳይ ናይቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ንዘይምእዘዛ ደቂ ኣንስትዮ ዘይጻወር ሞራላዊ ስርዓታትን ሕብረተሰብን እያ።

"ኣብ ታሪኽ እዛ ሃገር፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ንኽትሕነቕ ዘመኽኒ ንእሽቶ መርትዖ ኣብ ዘይብሉ ኵነታት፡ ብፍጹም ጽልኢ ናይቲ ሓበሬታ ዘይብሉ ህዝቢ ዝተሓንቀት እንተላ ኢዲስ ቶምፕሰን እያ" ይብል ልብ-ወለድን ናይ ቴሌቪዥን ስክሪፕትን ዝጽሕፍ ኤድጋር ዋላስ።

'ፍልይቲ ክትከውን ትደሊ ነይራ'

ኢዲስ ግሬይደን ካብቲ ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ክቕበላኦ ትጽቢት ዝግበረለን ዝተፈልየ ህይወት ትደሊ ሰብ እያ ነይራ።

ኣብ ምብራቓዊ ለንደን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ማኖር ፓርክ ብ1893 ኣብ መዓልቲ በዓል ልደት ተወሊዳ።

እታ በዅሪ ውላድ፡ ሓፍታን ሰለስተ ኣሕዋታን ብምንባይ ንኣደኣ ትሕግዛ ነይራ።

ኢዲስ ኣብ ግዜ ንእስነታ ሕጕስቲ፡ ብልጽቲ ሳዕሳዒትን ተዋሳኢትን፡ ከምኡ’ውን ብትምህርታ ንፍዕቲን ከም ዝነበረት ይንገር።

ብ1909 ትምህርታ ምስ ዛዘመት፡ እታ ህንጥይትን መስተውዓሊትን መንእሰይ፡ ናብ ለንደን ከይዳ ኣብ ሓደ ክዳውንቲ ዘፍሪ ትካል ስራሕ ተቘጺራ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ኣብ ካርልተን ኤንድ ፕሪየር ኣብ ዝበሃል ቆቢዕ ደቂ ኣንስትዮ ብጅምላ ዝሸይጥ ትካል ክትሰርሕ ጀሚራ። ኣብ ሓጺር እዋን ብልጽቲ ሰራሕተኛ ምዃና ዘመስከረት ኢዲስ፡ ኣብቲ ኩባንያ ብተደጋጋሚ ዕብየት ረኺባ። ዋና ዓዳጊት ናይቲ ትካል ንምዃን’ውን ግዜ ኣይወሰደላን።

ብዛዕባ እቲ ታሪኽ ዝምልከቱ ክልተ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈት ደራሲት ላውራ ቶምፕሰን፡ "ፍልይቲ ክትከውን እትደሊ ዝነበረት ተራ ጓል ኣንስተይቲ እያ ነይራ" ትብል።

ኣብ ጥሪ 1916 ኢዲስ ምስ ኣአንጋዲ መራኽብ ፔርሲ ቶምፕሰን ተመርዕያ። ካብቲ ክልቲኦም ዝዓበዩሉ ቦታ ብዙሕ ከይረሓቑ ኣብ ኢልፎርድ ኣብ ዝርከብ 41 ኬንሲንግተን ጋርደንስ ገዛ ገዚኦም ክነብሩ ጀሚሮም።

እታ ካብ በዓል ቤታን ካብ ኣቦኣን ዝዛይድ ኣታዊ ትረክብ ዝነበረት ኢዲስ፡ ዋላ'ኳ እቲ ውዕል ብስም ፔርሲ እንተተገበረ፡ ነቲ ንብረት ኣብ ምግዛእ ግን ልዕሊ ፍርቂ ኣበርኪታ’ያ።

ኢዲስ፡ ሓዳስ መርዓት ብምንባራ ኣብ ቤትን ኣደነትን ክትነጥፍ ትጽቢት ይግበር ነይሩ፤ ንሳ ግን ካልእ ሓሳባት ነይርዋ።

ብልጽቲ ሳዕሳዒት ብምንባራ፡ ኣብ ከምቲ ንሳ ትርከበሉ ማሕበራዊ ደርቢ ዝርከቡ ሰባት ክኣትውዎ ዘይክእሉ ብሉጻት ሆቴላትን ኣዳራሻት ሳዕስዒትን ብምኻድ ትዘናጋዕ ነይራ።

ብተወሳኺ፡ ብዙሕ ግዜ ምስ ኣዕሩኽታ ኣብ ትያትራት ዌስት ኤንድ፡ ሲነማታትን ኣብያተ መግብን ገለ ምሸትታት ተሕልፍ ነይራ።

"ኣብነት ዘመናዊነት ኰይና ረኺበያ፣ ውቅብትን ምቕልልትን ጓል እያ" ትብል እታ ምስ ኢዲስ ዘይትዛመድ ላውራ ቶምፕሰን።

"ፋሽን ትኽተልን ምስ ደቂ ተባዕትዮ ትቀራረብን እያ። ህንጥይትን ልዑል ባህጊ ዘለዋን እያ። ናይ ገዛእ ርእሳ ገዛ ክትውንን ድልየት ነይርዋ፤ ዋላ'ኳ ብስም በዓል ቤታ ክኸውን እንተነበሮ፡ ግን ወኒና።”

እታ ኣብቲ እዋን ብዝነበሩ ልማዳት ክትቅየድ ዘይትደሊ ኢዲስ፡ ተራ ሰበይቲ ኣይነበረትን።

ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብልዕሊ ሸሞንተ ዓመት ዝንእሳ ምልኩዕን ማራኽን ኣፍቃሪ ነይርዋ።

'ሰለስተ ሰብኡት ምስ ዝሞትዋ ሰበይቲ ተራኺበ'

ኣብ ንእስነቱ፡ ምስ ሓው ኢዲስ ኣብ ሓደ ክፍሊ መማህርቲ ዝነበረ ፍሬደሪክ ባይዋተርስ፡ ምስ ስድራ ቤት ኢዲስ ይፋለጥ ነይሩ።

ፍሬዲ ወዲ 13 ዓመት እንከሎ ካብ ለንደን ተበጊሱ ናብ ሜርቻንት ኔቪ ዝተበሃለ ዓለምለኻዊ ኢንዱስትሪ ንግዳዊ መራኽብ ተጸንቢሩ።

ኣብ ሰነ 1921 ናብ ዓዱ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ምስ ፐርሲ፡ ኢዲስን ሓፍታ ኣቪስ ንሓደ ሰሙን ዝኸውን ዕረፍቲ ክገብር ናብ ደሴት ዋይት ተዓዲሙ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ዕረፍቲ፡ ኣብ መንጐ እቲ መንእሰይን ኢዲስን ስዉር ፍቕራዊ ርክብ ሰሲኑ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ኣብ ስድራ ቤት ቶምፕሰን ዓመጽ ዝመልኦ ምትህልላኽ ኣበጊሱ።

ኣብቲ እዋን ፔርሲ ንበዓልቲ ቤቱ ይጸርፋን ይወቕዓን ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ፔርሲ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ኢዲስ ምስ ወቕዓ፡ ፍሬዲ ጣልቃ ኣትዩ፡ ብድሕረኡ ፔርሲ ካብቲ ገዛ ክወጽእ ነጊርዎ።

ፍሬዲ ብዙሕ ይጓዓዝ ስለ ዝነበረ፡ ምስ ኢዲስ ብደብዳበ እዮም ዝረዳድኡ ነይሮም። ኢዲስ እቶም ደብዳቤታት ምስ ተነቡ ክቃጸሉ ከም ዘለዎም ንፍሬዲ ትነግሮ ነይራ።

ሓዳስ መጽሓፋ ነቶም ደብዳቤታት ብዝርዝር እትምርምር ላውራ ቶምፕሰን፡ "ዘደንቑ ሰነዳት እዮም፤ ኣዝዮም ገለጽቲ'ዮም፡" ትብል።

ኢዲስ፡ ኣብ ሓንቲ ደብዳበ፡ ብዛዕባ ልሙድ ንጥፈታት ዕለታዊ ህይወት፡ ጾታዊ ርክብ፡ ምንጻል ጥንሲን ነብሰ ቅትለትን ዝምልከቱ ሓሳባት ትገልጽ።

ብዙሕ ግዜ ኣብ መንጐ ክውንነትን ሕልሚን (ፋንታዝያ) ትዘልል ነይራ፤ ሓደ-ሓደ ግዜ ምናልባት ዘፍርሑ ዝመስሉ ትሕዝቶ ነይሮም። ንፍዕቲ ኣንባቢት ልቢ ወለድ ዝኾነት ኢዲስ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ንነብሳ ከም ገጸ ባህሪ ሓደ ልብ-ወለድ ትስእላ’ሞ፡ ከምኡ ብምግባር ድማ ምናልባት ኣብ መግቡ ስብርባር ብርጭቆታት ብምሃብ ካብ ፔርሲ ክትገላገል ከም እትደሊ ትሕብር።

ኣብ ሓንቲ ደብዳበ ከምዚ ኢላ ጽሒፋ፡

ትማሊ ምስ ሓንቲ ሰለስተ ሰብኡታ ዝሞትዋ ሰበይቲ ተራኺበ፡ ብኲናት ዘይኮነስ እቶም ክልተ ጥሒሎም እቲ ሳልሳይ ድማ ንነብሱ ቀቲሉ፤ ገለ ኣነ ዝፈልጠን ሰባት ግን ሓደ ሰብኣይ’ውን ኣይሞተንን። ኵሉ ነገር ዘይፍትሓዊ እዩ። ቤስን ሬግን ሰንበት ንድራር ክመጹ እዮም።

ካልእ ደብዳቤ ድማ ከምዚ ይብል፤

ብተስፋ ናይታ 'ኣምፑል' ተደፊአ ብዙሕ እየ ተጠቒመ - ዓበይቲ ስብርባራት እውን - ዘይተጠሓነ - ውጽኢት ግን ኣይነበሮን - ነታ ገመድ ክሰደልካ ይኽእል እየ ዝብል ግምት ነይሩኒ - ግን ኣይፋልን - ዝዀነ ነገር ኣይተፈጠረን።

ነቲ ጕዳይ ንዓሰርተታት ዓመታት ዘጽንዐ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ረነ ዌይስ፡ እቶም ደብዳቤታት ካብ "ኣሰራርሓታት ልዕሊ ዓቐን ፍቕራዊ ምናነ" ንላዕሊ ዘመልክትዎ ነገር ከም ዘየለ ይኣምን።

ንኢዲስ፡ እዞም ሕልምታት (ደብዳቤታት) ቀተልቲ ምዃኖም ድሒሩ ተረጋጊጹ።

‘ንምንታይ ፈጺምዎ?’

ብ3 ጥቅምቲ 1922 ኢዲስን ፔርሲን ኣብ ጥቓ ፒካዲሊ ኣብ ዝርከብ ትያትር ኣምስዮም። ድሕሪ እቲ ምርኢት ናብ ገዛኦም እናተጓዕዙ እንከለዉ ኣብ መንገዲ ቤልግሬቭ፡ ሓደ ሰብኣይ ሃንደበት ተጸጊዕዎም። ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ከኣ ሬሳ ፔርሲ ኣብ መሬት ተዘርጊሑ።

እቲ ወዲ 32 ዓመት ኣኣንጋዲ መርከብ፡ ኣብ ክሳዱ ሓያሎ ግዜ ብኻራ ተወጊኡ። ደሙ ኣብቲ ጽርግያ ክሳብ ኣስታት 13 ሜትሮ ከም ዝተናጠረ ብርሃን መዓልቲ ኣቃሊዑ።

ነዊሕ ከይጸንሐ መርመራ ቅትለት ተጀሚሩ።

ሓው ፔርሲ፡ ፖሊስ ንፍሬዲ ከዘራረብዎ ሓቢሩ። ፍሬዲ ኣብ ገዛ ኣደኡ ዝነበረ ክፍሉ ምስ ተፈተሸ፡ ካብተን ናይ ኢዲስ ፍቕራዊ ደብዳበታት እታ ቀዳመይቲ ተረኺባ። ብድሕሪኡ፡ ኢዲስ’ውን ተጠርጢራ።

መርመርቲ፡ ኣብ ሓደ መተሓላለፊ መደበር ፖሊስ ኢልፎርድ፡ ኢዲስ ንነብሳ ከተቃልዕ እያ ብዝብል ተስፋ ምስ ፍሬዲን ከምዝረኣኣዩ ገይሮም። ብድሕሪኡ ኢዲስ፡ "ንምንታይ ፈጺምዎ? ክፍጽሞ ኣይደለኹን። ኣንታ ኣምላኽ፡ ኣንታ ኣምላኽ እንታይ’የ ክገብር? ሓቂ ክዛረብ ኣለኒ" ኢላ አእውያ።

ኣብታ ሞሬኣ እትበሃል መርከብ ዝነበረ ክፍሉ’ውን ምስ ተፈተሸ፡ ተወሳኺ ደብዳበታት ተረኺቦም። ገለ ካብዚኦም፡ ኢዲስ ካብ ፔርሲ ክትገላገል ዝነበራ ርኡይ ድሌት ዝጠቐሱ ይርከብዎም።

ፍሬዲ ንፔርሲ ብኻራ ከም ዝወግኦ ኣይከሓደን፣ እንተዀነ ፔርሲ ስለ ዘፈራርሖን ንነብሱ ንምክልኻል ስጕምቲ ከም ዝወሰደን እዩ ገሊጹ። ኢዲስ'ውን ብቕትለት ክትክሰስ ከም ዝዀነት ምስ ተነግሮ፡ ፍሬዲ "ንምንታይ ንሳ? ሚስስ ቶምፕሰን ብዛዕባ ተግባረይ ትፈልጦ ነገር የለን" ክብል መሊሱ።

'ሃዋህው ቀዳመይቲ ለይቲ'

ቅድምን ኣብ እዋን ፍርድን፡ ንኢዲስን ፍሬዲን ዝምልከቱ ኣዝዮም ዘሰንብዱን ነቐፍቲን ጸብጻባት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ተዘርጊሖም። እቶም ተኸሰስቲ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ማእከል ህቦብላ ረኺቦምዋ።

ብ6 ታሕሳስ 1922 ኢዲስን ፍሬዲን ኣብ ኦልድ ቤይሊ ዝርከብ ዕጹው ቤት ፍርዲ ተኣሲሮም።

ኣብ እዋን መስርሕ ፍርዲ፡ ህዝቢ ኣንጊሁ ኣብ ደገ እቲ ፍሉጥ ቤት ፍርዲ ለንደን ይእከብ ነይሩ።

ኣብቲ ንትሽዓተ መዓልታት ዝቐጸለ መስርሕ ፍርዲ፡ ስራሕ ኣልቦ ደቂ ተባዕትዮ፡ ምሸት ምሸት ካብቲ ህንጻ ወጻኢ ተሰሪዖም፡ ንጽባሒቱ ንግሆ ሪጋኦም ይሸጡን ካብቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝነበረ ማእከላይ ሰሙናዊ ደሞዝ ንላዕሊ ይረኽቡን ነይሮም።

ኣብቲ እዋን መንእሰይ ሪፖርተር ዝነበረን ምሉእ መስርሕ እቲ ፍርዲ ዝተዓዘበን ጸሓፊ ቤቨርሊ ኒኮልስ፡ እቲ ጉዳይ "ኣመንቲ ክርስትና ናብ ኣናብስ ዝድርበዩሉ ንዝነበሩ ዘመን ግዝኣት ሮማ" ይመስል ከም ዝነበረ ንሬድዮ ቢቢሲ ገሊጹ።

ስነ ጥበባውያን እውን ኣብ ቀጽሪ ሓደ ቤት ፍርዲ ኮይኖም፡ ነቶም ክልተ ሰባት ይስእልዎም ነይሮም።

'ኣመና ርግጸኛን ስስዕትን ሰበይቲ'

ካብቲ ናይ ፍቕሪ ደብዳበታት ቁንጫል፡ ከም ወሳኒ መርትዖ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ቤት ፍርዲ ተነቢቦም።

"[እቲ ደብዳበታት] ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዝንበቡ ምግባር ንሓደ ሰብ “ንሱ እዩ ቐታሊ” ብምባል ከተሳቕዮ ከም ምፍታን እዩ ዝመስለኒ" ትብል ቶምፕሰን።

እቲ ጕዳይ ዝተፈጸመሉ ግዜ፡ ድሕሪ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ብምንባሩ፡ ኣብ ልዕሊ ኢዲስ ዝነበረ ጽልኢ ከምዝውስኽ ዝገበረ ይመስለኒ ይብል ፕሮፌሰር ዋይስ ብወገኑ።

ንሱ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ትረኻ ብኸምዚ ይገልጾ፡ “ብሪጣንያ ሰብኡተን ብኲናት ብዝሰኣና መበለታት መሊኣ እንከላ ኣብዚ ድማ ሓንቲ ካብ ትሑት ድሕረ ባይታ መጺኣ መልክዕ፡ ጽቡቕ ገዛ፡ ገንዘብ፡ ንፉዕ በዓል ቤት ኵሉ ነገር ዝረኸበት ኣመና ርእሰ ርግጽትን ስስዕትን ሰበይቲ ኣላ። እንታይ ከም ዝገበረት ድማ ርኣዩ፡ ሓደ ሕያዋይ ሰብኣይ ኣይኣኽላን።

"ህዝቢ ንፍሬዲ ከድንቘ፡ ነታ ንሓደ መንእሰይ ኣስሒታ ሞት ሓደ ሰብኣይን ፍርዲ ቅትለት ሓደ 'ቘልዓ'ን ዘስዓበት ዝበላ ኢዲስ ግን ብሓይሊ ክጸልኣ ጀሚሩ" ይብል እቲ ፕሮፌሰር።

'ኢዲስ ቶምፕሰን ገበነኛ ኣይኮነትን'

እቲ ኣብ ልዕሊ ኢዲስ ዝነበረ ናይ ህዝቢ ጽልኣት፡ ኣብ ዳኛ ጀስቲስ ሸርማን’ውን ነይሩ። ንሱ፡ ብተደጋጋሚ ብወገን ዓቃቢ ሕጊ ጣልቃ ይኣቱን ንኢዲስ ፍትሓዊ ዘይኮነ ሓሳብ ይገልጽን ነይሩ።

ኣብ መጠቓለሊ መደረኡ፡ ነቶም መጋባእያ፡ "ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓሳብ፡ ንስኻትኩም ከም ዝኾነ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ ብጽልኢ ከም እትምልኡ ርግጸኛ እየ" ኢልዎም።

እቲ ኣብ ልዕሊ ኢዲስ ዝነበረ መርትዖ ድኹም’ዩ ነይሩ። ሬሳ ፔርሲ ተመርሚሩ መርዝን ኣሰር ብርጭቆን ኣይተረኽቦን። ኢዲስ ኣብታ በዓል ቤታ ብኻራ ዝተወግኣላ ምሸት ከም ዝሰንበደት መሰኻኽር’ውን ደጊፎማ እዮም።

ኢዲስ ዋላ'ኳ ጠበቓኣ እንተለመና፡ መርትዖ ክትህብ ፍቓደኛ ኮነት። "እዚ ንዓይ ምልክት ንጽህና እዩ ነይሩ፤ ክሳብ ከምኡ ክትገብር እትደሊ ኣዝዩ ጽኑዕ ምዃንካ ዘመልክት’ዩ" ትብል ቶምፕሰን።

ከምኡ ብምግባራ ግን ዘሕዝን ጌጋ ፈጺማ። ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ኣብተን ደብዳበታት ዝጸሓፈቶ ብምጥዋይ፡ ናይ ሓሶት ትረኻታት ብምድላይን ዘደናግር ናይ ግዜ ገደብ ብምሃብን፡ "ተደናጊራ ንጹር መልሲ ክትህብ ከም ዘይትኽእል" ገይሩዋ።

ብ11 ታሕሳስ፡ እቲ መጋባእያ፡ ኢዲስን ፍሬዲን ብቕትለት ሰብ ገበነኛታት ኰይኖም ከም ዝተረኽቡ ብምግላጽ ክልቲኦም ብማሕነቕቲ ክቕጽዑ ፈሪዱ።

ፍሬዲ፡ "ኢዲስ ቶምፕሰን ገበነኛ ኣይኮነትን" ክብል እናጨደረ እቲ ውሳነ ጌጋ ምዃኑ ገሊጹ።

ዳኛ ሞንታግ ሸርማን ግን ክቕተሉ ፈሪድዎም።

'ብሓቂ፡ ዝዀነ ዕድል ኣይነበራን'

ንፍሬዲ ካብ ማሕነቕቲ ንምድሓን ዝቐረበ ጥርዓን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ፌርማታት ረኺቡ። ኢዲስ ግን ብዙሕ ዝሓዘነላ ሰብ ኣይነበረን።

"ደቂ ኣንስትዮ ስለ ዝፈርሓኣ ጸሊአናኣ፤ ዝድንግጸላ ኣይነበራን፡" ትብል ቶምፕሰን።

"ብሓቂ ዕድል ኣይገበረትን።"

ኣብ ጋዜጣታት መብዛሕትኦም ቁጥዐ ዝፈጥሩ ርእይቶታት ወጺኦም። "ኣብቲ ጉዳይ ንእሽቶ ሓልዮት ዝፈጥር ኵነታት ኣይነበረን" ክብል ታይምስ ጽሒፉ። "እቲ ምሉእ ጉዳይ ቀሊልን ዘሕፍርን እዩ ነይሩ።"

ንነብሳ ኣንስታዊት ኢላ እትገልጽ ረቤካ ዌስት፡ ኢዲስ "ተሰንብድ መስኪን ቘልዓ እያ ነይራ" ኢላ ጽሒፋ።

ድሕሪ እቲ ቅትለት፡ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ዊልያም ብሪጅማን፡ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ክቕየር ብዘይምፍቃዱ ንኽብሪ ጾታአን ስለ ዝተኸላኸለ ዘመስግን ጽሑፋት ልኢኸን።

ኢዲስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸሓፈቶም ደብዳቤታት፡ ሓንቲ ንምጥፋእ ዝተቓልዐት ሰበይቲ ዝስምዓ ጭንቀት ኣጕሊሓ። ኣብ ሓደ ንወለዳ ዝጸሓፈቶ መዘኻኸሪ፡ ከምዚ ትብል፡

ሎሚ ናይ ኵሉ መወዳእታ ይመስል። ክሓስብ ኣይክእልን - በቃ ኣዒንተይ ይዅን ሓሳባተይ ክሓልፍዎ ምስ ዘይእክእሉ ባዶን ረጒድን መንደቕ ዝተጋጠምኩ እየ ዝመስል። እዚ ሓረግ እዚ ንዘይገበርክዎ ነገር፡ ቅድሚኡ ይዅን ኣብቲ እዋን ንዘይፈልጦ ነገር ደው ክብል ከም ዘለዎ ኣብ ትሕቲ ናይ ምግንዛብ ዓቕመይ ኣይኮነን።

ቅድሚኡ ኣብ ዝነበሩ ዓሰርተ ዓመታት ንሞት ዝተፈርዳ ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ምሕረት ረኺበን'ኳ እንተነበራ፡ ንኢዲስ ወኪሉ ዝቐረበ ምሕጽንታ ግን ተነጺጕ’ዩ።

"ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ንሳ ከም ዝተቐትለት ንምርግጋጽ ዘሕለፎ ምጥምዛዝ ክትዕዘብ ከለኻ፡ ብሓቂ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ'ዩ" ትብል ቶምፕሰን፤ ንሳ፡ ዝሙት ኢዲስ ከም "ኣብ ሞራል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ" ከም ዝተራእየ እያ እትኣምን።

'ሕጂ እንተወሓደ ምስ ወለዳ ተራኺባ ኣላ'

ኣብ መስከረም 1923 ኣብ ገዛ ስድራ ቤት ቶምፕሰን ዝተኻየደ ሓራጅ ዓቢ ተገዳስነት ስሒቡ።

ሓደ ካብቶም ሰራሕተኛታት ሓራጅ፡ "እቶም ሰባት ንኣዕሩኽቶም ካብቲ ገዛ ገለ ነገር ኣሎኒ ክብሉ ስለዝደለዩ፡ እቲ ጀርዲን ብዘይ ገለ ቆጽሊ ዕርቃኑ ተሪፉ" ክብል ገሊጹ።

ብሰም ሞዴል ዝዀነ ስርሓት ኤዲስን ፍሬዲን ኣብ ማዳም ቱሶድስ (ሓደ ካብቶም ዝበለጹ ፍቱዋት መስሕባት ለንደን) ዝለዓለ መስሕብ እዩ ነይሩ።

ኣብ 1980ታት ግን ተኣልዮም። ሎሚ፡ ስሞም እናተበላሸወ፡ እቲ ቀለም’ውን እናረገፈ ኣብ መኽዘን ይርከቡ።

ፕሮፌሰር ዌይስ፡ ንነዊሕ ዓመታት፡ ኢዲስ ይቕረ ንኽግበረላ ተቓሊሱ እዩ። ኣብ 2018 ሬሳኣ ኣብ ጐድኒ ወለዳ ኣብ መካነ መቓብር ለንደን ኣብ ማኖር ፓርክ ዳግማይ ተቐቢሩ።

"ኣብ እዋን ሞታ ዝነበረ ትምኒት ወላዲታ ክፍጽም ተስፋ ገይረ ነይረ" ይብል። "ሕጂ እንተወሓደ ምስ ወለዳ ተራኺባ ኣላ።”

ዋላ'ኳ ኣብ ብሪጣንያ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ካብ ዝተርፍ ልዕሊ 50 ዓመታት እንተዀነ፡ ዕጫ ኢዲስን ላውራ ቶምፕሰን ኣገዳሲ'ዩ። "ንሰባት ዝቕየር ነገር ከም ዘየለ፡ ጽልኢ ኵሉ ግዜ ከም ዘሎ ምዝኽኻር ኣገዳሲ'ዩ፤ መልክዕ ጥራይ'ዩ ዝቕየር።"

"ኣብዚ ዛንታ ሓደ ዘስካሕክሕ መጠንቀቕታ ኣሎ፡ ኣብ ልዕሊ ጽልኢ ዝስምዓካ ሰባት ዘለካ ዝኸፍአ ድርኺት መርምር። ኣብ ዝስርዝ ባህሊ ኢና ንነብር ዘለና - ቃል ብቓሉ [ኢዲስ] ተሰሪዛ - ኣዝዩ ኣዝዩ ሓደገኛ ድርኺት'ዩ ግን ሕብረተሰብ ክቃወሞ ይጽገም።"