ዶብ-ኣልቦ ሓካይም ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ቅትለት ሰራሕተኛታቱ ብፍላጥ ዝተገብረ ምዃኑ ይገልጽ

መግለጺ ቪድዮ, ቀታሊ ሰራሕተኛታት ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዛጊድ ኣይተፈለጠን
Published

ሰራሕተኛታት ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝኾኑ የውሃንስ ሓለፎም፣ ቴድሮስ ገብረማርያምን ማርያ ሀርናንደዝን ኣብ ትግራይ ከባቢ ዓብይ ዓዲ ካብ ዝቕተሉ 6 ኣዋርሕ’ኳ እንተቑጸሩ ዛጊድ መንን ስለምንታይን ከምዝተቐተሉ ንጹር ሓበሬታ ከምዘይተረኸበ ፕረዚደንት እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ፓውላ ጅል ኣፍሊጣ።