መንግስቲ ሱዳን መሃያ ሰራሕተኛታት ከም ዝውስኽ ኣፍሊጡ

ሱዳናውያን ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናት ኣንጻር መንግስቲ እናጨርሑ እንከለው
Published

መንግስቲ ነቲ ኣብ ኣብቲ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ቁጠባዊ ናዕቢ ንምህዳእ ንመንግስቲ ሰራሕተኛትመሃያ ክውስኸ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሺር ትማሊ ኣብ ክብረ በዓል መዓልቲ ናጽነት ሱዳን ንማሕበር ሰራሕተኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣብ ብዙሕ ዓውድታት እታ ሃገር ዓወት ከም ዘመዝገበ ድሕሪ ምሕባር፡ መንቀሊ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣብሪሁ።

ምንጻል ደቡብ ሱዳን ስዒቡ ቀንዲ ኣታዊ ሸርፊ ወጻኢ ዝነበረ ነዳዲ ናብታ ሓዳሽ ሃገር ምኻዱን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ተነቢሩ ዝጸንሐ ቁጠባዊ እገዳ ኣመሪካን ዘስዐቦ ምዃኑን ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ግን፡ ተቃወምቲ ሓይልታት ሰልፍታት ሱዳን፡ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሺር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይጠልቡ ብምህላዎም ሰልፊ ተቓውሞ ንዓርቢ ጸዊዖም ኣለዉ።

ኣብ ሱዳን፡ ቑጠባዊ ቅልውላው ዘስዓቦ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ብዝተለዓዓለ ህዝባዊ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ 19 ሰባት ከም ዝሞቱ፡ መንግስቲ ሱዳን ኣብ 27 ታሕሳስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ብወግዒ ኣፍሊጡ እዩ።

ተቓወምቲ ሰልፍታት ሱዳን ግን ነዚ ቊጽሪ ካብቲ ብመንግስቲ ዝተገልጸ ከም ዝዛይ'ዮም ዝገልጹ።

ናዕቢ ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ኣትባራ ጀሚሩ፡ ጸኒሑ ግን ናብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ተላቢዑ።

መበገሲ እዚ ናዕቢ መንግስቲ ሱዳን፡ ዋጋ ሓደ ባኒ ካብ ሓደ ፓውንድ ናብ ሰለስተ ፓውንድ ክብ ከብሎ ምስ ወሰነ ኮይኑ፡ እናሓደረ ግን፡ ንፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጽውዑ ድምጽታት ክስምዑ ጀሚሮም።