ካንየን ኪምን ኡጋንዳዊ ኣስማት ተዋሂብዎም

ኪም ካርዳሽያን ካንየ ዌስት ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቬኒ
መግለጺ ስእሊ, ካንየ ዌስትን ኪም ካርዳሽያንን ምስ ፕረዚደንት ሙሰቬኒ ተራኺቦም
Published

ፕረዚደንት ኡጋንዳ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ስሙ ናብ 'የ' ዝቐየረ፡ ኣሜሪካዊ ራፐር ካንየ ዌስት፡ 'ካንየሲግየ' ዝብል ኡጋንዳዊ ስም ከም ዝሃቦ ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ሓቢሩ።

ትርጉም እቲ ስም ድማ 'ይኣምን' ማለት ምዃኑ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ንበዓልቲ ቤት እቲ ራፐር፡ ንኪም ካርዳሽያን'ውን 'ኬሚጊሻ' ዝብል ስም ከም ዝሃባን ትርጉሙ ድማ 'እታ ብኣምላኽ ዝተባረኸት' ማለት ምዃኑ ኣብቲ ብፌስቡክ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቶም ተጻመድቲ ሰኑይ ንጉሆ፡ ምስቲ ፕረዚደንት ኣብ ቤተመንግስቲ ካምፓላ ዝተራኸቡሉ እዩ እቲ ኣስማት ተዋሂብዎም።

በቲ ዝተዋህቦም ኣስማት ከም ዝተሓጎሱ ድማ ተገሊጹ።

ኡጋንዳ፡ ናይ ኩሉ ከም ዝኾነት ሚስተር ሙሰቨኒ ነቶም ተጻመድቲ ተዛሪቡ።

"እዚ መበቆል ናይ ህይወት ሰብ ኢዩ፤ ወላ እቶም ጸዓዱ'ዉን መበቆሎም ካብዚ ኢዩ" ከም ዝበለ ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ዘውጽኦ ጽሑፍ ይሕብር።

ኣብ ኡጋንዳ ምህላዉ ከም ዘሐጎሶ ዝገለጸ ኣሜሪካዊ ራፐር፡ እታ ሃገር ካልኣይቲ ዓዱ ምዃና ከም ዝተዛረበ'ውን እቲ ቤት-ጽሕፈት ወሲኹ ሓቢሩ።

"ብሉጽ ናይ ቱሪዝም ቤት ትምህርቲ ናይ ምኽፋት ድሌት ከም ዘለዎ ንፕረዚደንት ሓቢሩ፤ እዚ ድማ ንዕብየት ኢንዳስትሪ ቱሪዝም፡ ኣብ ኡጋንዳ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሓፈሽኡ፡ ኣገዳሲ ኢዩ" ይብል ጽሑፍ ቤት ጽሕፍት ፕረዚደንት ሙሰቨኒ።